Skip to main content

ሓበሬታን ኣገልግሎትን ናይ ሓደገኛ ዝኾኑ ጎሓፍ ምጉሓፍ

አብ ኪንግ ካውንቲ እትሰርሑ ወይ እትነብሩ እንተዳኣ ኮይንኩም፣ ውሑስ ኣገባባት ምጉሓፍ ረሳሓትን ከምኡ'ውን ተፈላለዩ ቐረብ ምንጪታት ንዓኹምን ንከባቢኩምን ንክከላኸለልኩምን ካብ ንሓደጋ ዘቓልሑ ኬሚካላት ኣወጋግዳ ምችው ኣማራፂታት ንህብ ኢና።

a mother and son in a grocery store aisle

ልሙዳት ሓደገኛ ፍርያት

አብ ጥቕሚ ዘይዋዓሉ፣ አረጊት፣ ወይ ዘየድልዩ ሓደገኛታት ምህርቲ ንምኽዛን ሓደገኛታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሓደገኛታት ነገራት እዚኦም ኣብ ጎሓፍ ምድርባይ ወይ ኣብ ናይ ክሽነ ወይ ሽቃቅ ላቫንዲኖ ምፍሳስ፣ ንደቂ ሰባትን ነቲ ከባቢን ክጎድኡ ይኽእሉ እዮም።ሓድገኛታት ነገትራ በቲ ተጻሒፉ ዘሎ ምልክት ኣንቢብኩም ክትፈልጥዎ ትኽልእሉ። እዞም ሓደገኛታት ነገራት ከም danger (ሓደጋ) poison(መርዛም)warning (መፈራርሕ)caution(መጠንቀቕታ) ዝኣመሰሉ ቓላት ወይ ድማ ምልክታት ኣለዎም።

Icon of bottles with the EPA Safer Choice logo and Cradle to Cradle logo

ኣዝዩ ደሓን

እዞም መለለዪ ኣርማ ኣብ ቅድሚት ወይ ድሕሪት ኣቕሓ ወይ ነገር ኣሎ።

ብኽብረትኩም ዘክሩ፡ EPA Safer Choice ዘለዎም ነገራት CAUTION (መጠንቀቕታ) ዝብል እንተ ተለጠፈሎም'ኳ ኣብ ምድቦም ድሕንነቶም ዝተሓለዉ እዮም።

Icon of a bottle that does not have the words caution, warning, danger, or poison on the label

ደሓን

ካብዞም ኣቕሓታት እዚ ቃላትዘይብሎም CAUTION (መጠንቀቕታ)፣ WARNING (መፈራርሕ)፣ DANGER (ሓደገኛ)ን POISON (መርዛም) ምረጹ።

Icon of a bottle with the words Caution and Warning

ብመጠኑ ጎዳኢ

CAUTION (መጠንቀቕታ) ወይ WARNING (መፈራርሕ) ዝብል ቃላት ዝተጻሓፈሎም ምረጹ።

Icon of a bottle with the words Danger and Poison

ብጣዕሚ ጎዳኢ - ኣወግዱ

DANGER (ሓደገኛ) ወይ POISON (መርዛም) ዝብል ቃላት ዝተጻሓፈሎም ነገራት ኣወግዱ። ንዓኹምን ንቤተሰብኩምን ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።

3 ዉሕሳት ዝኾኑ ኣገባባት ጎሓፍ ምጉሓፍ

Staff person wearing protective gear unloads hazardous wastes from the trunk of a car
step 1

ነዞም ነገራት ኣክብዎም:

እዞም ሓደገኛታት ነገራት ከም danger (ሓደጋ) poison(መርዛም)warning (መፈራርሕ)caution(መጠንቀቅታ) ፣ ዝኣመሰሉ ቓላት ወይ ድማ ምልክታት ኣለዎም።

እቶም ንቅበሎም ነገራት እዚኦም እዮም።

step 2

ንኣጎሓሕፋ ምቅርራብ፡

ነዞም ነገራት አብቲ ናይ መጀመርያ ኮንተይነራት ብምቕማጥ፣ ምልክት ዘይተገበረሎም አቁሑት ምልክት ምግባርን ነቶም ነገራት አብ ዘይፈስሉ ቦታ ብምቕማጥ ንከይፈሱን ንከይባላሸዉን ምግባር ኣብ መኪና ዝኾነ ኣቕሓ ካብ ሰፈር ተጓዓዛይ ኣርሕቕ ኣቢልኩም ኣቐምጡ።

step 3

አውርድዎ

ነቲ አቁሑትኩም ናብቲ ኣገልግሎት መወገኒ ቦታ ኣምጽእዎ። እዚ ኣገልግሎት ብናይ ክፍሊት መብራህትን ማይን ዝሽፈን ስለዝኾነ ዳግም ክትኸፍሉ ኣይየድልየኩምን እዩ።

አብ ከባቢኹም ናይ ጎሓፍ ቦታ ርኸቡ

  • ሰሜን ስያትል
    ሰሉስ – ሰንበት

    12550 Stone Ave N Seattle, WA 98133
    9:00 ቅ.ቀ – 5:00 ድ.ቀ

    ሓምለ 4፣ ዕለተ-ምስጋና (ታንክስ ጊቪን)፣ ዕለት ልደት፣ ከምኡ እውን ዕለት ሓዱሽ ዓመት ዕጽው እዩ።

  • ደቡብ ስያትል
    ሓሙስ – ቀዳም

    8100 2nd Ave S Seattle, WA 98108
    9:00 ቅ.ቀ – 5:00 ድ.ቀ

    ኣብ ጥቓ እቲ መደበር መሰጋገሪ ዝርከብ።
    ሓምለ 4፣ ዕለተ-ምስጋና (ታንክስ ጊቪን)፣ ዕለት ልደት፣ ከምኡ እውን ዕለት ሓዱሽ ዓመት ዕጽው እዩ።

  • Factoria
    ሰሉስ - ዓርቢ፣ ቀዳምን ሰንበትን

    13800 SE 32nd St. Bellevue, WA 98005
    8 ቅ.ቀ. - 4 ድ.ቀ. (ሰሉስ - ዓርቢ) ፣ 9 ቅ.ቀ. - 5 ድ.ቀ. (ቀዳም-ሰንበት)

    ፋክቶርያ ዝተባህለ ቦታ ኣብቲ መደበር መሰጋገሪ እዩ ዝርከብ። ዕለተ-ምስጋና (ታንክስ ጊቪን)፣ ዕለት ልደት፣ ከምኡ እውን ዕለት ሓዱሽ ዓመት ዕጽው እዩ።

  • Auburn
    ቀዳም - ሰንበት

    1101 Outlet Collection Way, Auburn, WA 98001
    10 ቅ.ቀ - 5 ድ.ቀ

    እቲ ኣውበርን ዝተባለ ተንቃሳቓሲ መእለዪ ጎሓፍ ዓመት ሙልእ፣ ቀዳምን ሰንበትን ክፉት እዩ። ናይ ነበልባል ባሕሪ ኣብዚ ቦታ ተቐባልነት የብሉን።
    እዚ ቦታ ካብ 30 ሕዳር፡ 1 ታሕሳስ፡ ካብ 28-29 ታሕሳስ ዕጹው እዩ።


Wastemobile - ተንቀሳቓሲ መእከቢ ኣገልግሎት ንሓደገኛ ጎሓፍ


እዚኣ ናይ ነጻ ተንቃሳቓሲት ጎሓፍ መአከቢት ኮይና ኣብ ዝተወሰኑ ወገናት ኪንግ ካውንቲ ብሙዛር ንዝተፈላለዩ ተቐመጥትን ንኣሽቱ ትካላትን ሓደገኛ ጎሓፎም ክወስድሉ ዝኽእሉ ምቹእ ቐረብ ቦታ ትፈጥረሎም።

 

መዓስ ተንቃሳቓሲ መእለዪ ጎሓፍ፣ ናትና ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ምውሳድን ምብጻሕን ሓደገኛ ጎሓፍ ናብ ገዛውትኩም ከም ትመጽእ ፍለጡ፣ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ማሕበረ-ሰብ ብጽሑ።

Graphic of a green car at a Wastemobile event

ናይ ገዛ መእከቢ መደብ

65 ዓመት ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ፣ ወይ አካል ስንኩል ድዮም? መጓዓዝያ መኪና እንተ ዘይብልኩም ወይ ኣብቲ ጎሓፍ ዝእከበሉ ቦታ ክትመጹ እንተ ዘይኪልኩም፣ ድዊልኩም ንገሩና፣ መጺና ካብ ገዛኩም ክንወስዶ ንኽእል ኢና። እቲ ናይ ገዛ መኣከቢ ፕሮግራም ብናይ ክፍሊት መብራህትን ማይን ስለዝሽፈን ዳግም ክትኸፍሉ ኣይየድልየኩምን እዩ።



ጎሓፍ መአከቢ ቆጸራ ንምሓዝ፣ ኣብዚኣ ደውሉ

206-296-4692

ሰኑይ-ቀዳም ካብ 9 ቅ.ቀ ክሳብ 5 ድ.ቀ (ብዘይካ በዓላት) ብሓተታ ተርጎምቲ ኣለዉ።

አብ ኪንግ ካውንቲ ናይ ንግዲ ስራሕ አለኩም’ዶ?

ከም መጠን ስራሕ ንግዲ፣ ርስሓትኩም አብ ዝግባእ ቦታ ብምቕማጥ ገዛእ ርእስኹምን፣ ከባቢኹምን ወይ ድማ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ካብ እቲ ሓደጋ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት አለኩም። ብቑዓት ናይ ንግዲ ትካላት ሓደገኛ ጎሓፍ ብከመይ ከም ዘወግዱ ብነፃ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ናይ ሳይት ምኽሪ አገልግሎት፣ ምኽሪታትን ናይ ገንዘብ አታሓሕዛ መማሓየሺ ምኽሪታት እውን ንህብ ኢና። እዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ብናይ ክፍሊት መብራህትን ማይን ስለዝሽፈን ዳግም ክትኸፍሉ ኣይየድልየኩምን እዩ።



ንተወሳኺ መረዳእታን ብቕዓት ትካልኩም ክትፈልጡን፣ ኣብዚ ደውሉ

206-296-4692

ሰኑይ-ቀዳም ካብ 9 ቅ.ቀ ክሳብ 5 ድ.ቀ (ብዘይካ በዓላት) ብሓተታ ተርጎምቲ ኣለዉ።

ሓደገኛ ጎሓፍ ዝሕግዝ ቁጽሪ መስመር

ነበርቲን ንኣሽቱ ናይ ንግዲ ስራሕ ዘለዎም ጎሓፍ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝጉሕፉን፣ መርዛም ዘይኮኑ ነገራት ከመይ ከም ዝጥቐሙን ካልኦት አርእስቲታት ንምምሃርን ሓበሬታ ንምርካብን ምድዋል ይኽእሉ እዮም።

ሰዓታት

ሰኑይ-ቀዳም ካብ 9 ቅ.ቀ ክሳብ 5 ድ.ቀ (ብዘይካ በዓላት)

ሓደገኛ ጎሓፍ ዝሕግዝ ቁጽሪ መስመር
206-296-4692*

ኢመይል
haz.waste@kingcounty.gov

ጋርደን ናይ ሕጹጽ መደወሊመስመር

ነበርቲን ናይ መሬት በዓል ሞያታትን ናብቲ ናይ ኣትክልቲ ቦታ ብምድዋልን ሕቶ ብምቕራብን ነጻ ሓገዝ ክረኽቡ እኸእሉ እዮም።

ሰዓታት

ሰኑይ-ቀዳም ካብ 9 ቅ.ቀ ክሳብ 5 ድ.ቀ (ብዘይካ በዓላት)

ጋርደን ናይ ህጹጽ መደወሊመስመር
206-633-0224 *

ወብሳይት
gardenhotline.org

ብዛዕባና

ንኣከባቢታት ኪንግ ካውንቲ ካብ ሓደገኛ ዝኾኑ ነገራት ምስናዕ፣ ምጥቓም ምኽዛንን ምጉሓፍን ንከስዕብዎ ዝኽእሉ ሓደገኛ ጉድኣት ብናይ ሓደገኛ ዝኾኑ ጎሓፋት ምጉሕፍ ፕሮግራማት ጎዳእቲ ዝኾኑ ሳዕቤናት ብምቕናስ ናይ ህዝቢ ጥዕና ይከላኸልን ይሕሉን። ንመላእ ኪንግ ካውንቲ ከተማ ስያትልን፣ ንካልኦት 37 ከተማታትን፣ ክልተ ብሄራትን፣ ብሓደ ኣካል ንዝተወደቡ ቦታታትን ኣገልግሎት እነቐርብ ኣውራጃዊ መጻምድቲ ኢና።

ተኻታተሉ

ብዛዕባ ተንቃሳቓሲ መእለዪ ጎሓፍ ናብ ገዛውትኹም እትመጻሉ ሓድሽ ዜናን ሓበሬታን ክትሰምዑ ብኢመይል ፈርሙ። እቲ ዝመጻኩም መጺሄት ብቋንቋ እንግሊዝ ምዃኑ ብኽብረትኩም ዘክሩ፡።